Menu
  • ቤተ ክርስቲያን
  • አቡነ አረጋዊ
  • ትምህርተ ሃይማኖት
  • ስርዓተ ቅዳሴ
  • ማህሌት
  • ሰኣታት
  • ናይ ሰንበት ተምሃሮ ግልጋሎታት
Email Us At
contact@abunearegawitx.org
Donate Now!

ደብረ ፀሓይ ኣቡነ ኣረጋዊ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን

እዛ ቤተክርስትያን ንሕብረተሰብና ሙሉእ ኣገልግሎት ኣብ ምሃብ ትርከብ::ብ ማህሌት፣ ሰኣታት ፣ ቅዳሴ ወገናትና ብቛንቋና ብትግርኛ ሙሉእ ኣገልግሎት ናብ ቤተ እግዚኣብሄር መጺኦም እግዚኣብሄር ከምልኹ ትገብር ኣላ:: ክርስትና ብምልዓል፣ ኣብ ቤተክርስትያን ስነ ስርዓት መርዓኦም ክገብሩ ንዝደልዩ ተመራዓውቲ ኣገልግሎት ምሃብ፣ ብሞት ዝተፈለዩ ኣብ ቤተክርስትያን ናይ ፍትሓትን ሕዙናት ናይ ምፅንዕናዕን ከምኡ ውንሕዙናት ኣብ ቅጽሪ ቤተክርስትያን ተቐሚጦም ናይ ደበስን ምብጻሕን ኣገልግሎት ንክረኽቡ ትገብር።

መሰብሰቢ ኣዳራሽን ካሊኦት ሓገዛትን ብምቕራብ ምስቲ ኣብ ዳላስን ከባቢኣን ዝነብር ማሕበረሰብና ሓቢራ ንህዝብናን ዓድናን ኣብ ዝጠቕሙ ወፍሪታት ትሳተፍ።

ኣብዚ ዓዲ ተወሊዶም ንዝዓብዩ ደቅና ባህሎም፣ ቋንቋኦምን እምነቶምን ብምምሃር ብመንነቶም ዝኾርዑ ዜጋታት አብ ምፍራይ ዓብዪ ስራሕቲ ትሰርሕ ኣላ።

ንመኸተ ኣብ ዝግበሩ ስራሕቲ እታ ቤተክርስቲያን በራ ከፊታ አገልግሎት አብ ምሃብ ትርከብ። ንቲ ትግራዋይ ጠርኒፋ ሒዛ ሃገራዊ መደባት ናብቲ ህዝቢ ብቐሊሉ ንክሓልፍ ጥጡዕ ባይታ ፈጢራ እያ። ተጋሩ ወገናትና ብሄሮም ብዘይምጽብጻብ ኣብ ዝጠዓሞም ኣብ ኣካባቢና ኣብ ዘለዋ ቤተክርስቲያናት ብምኻድ እናምለኹ እኳ እንተነበሩ ብቲ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ኣድልዎን ግፍዕን እናበጽሖም ናብ ቤተክርስቲያና እናመጹ ይርከቡ ኣለዉ:: ቤተክርስቲያንና እውን ብደስታ እንቋዕ ብዳሓን መጻእኹም እናበለት ትቅበሎም አላ!!

Category

  • No categories

Archives

  • March 2021
ሕያው ቃል

"ወኵሉ በከመ አደሞ ልቡ ይግበር እስመ ኢኮነ በግብር ዳእሙ በፍሥሓ ለየሀቡ እስመ ከማሁ ያፈቅር እግዚአብሔር" (፪ ቆሮ ፱፥፯)

"እግዚኣብሔር ሕጉስ ወሃቢ እዩ ዝፈቱ እሞ፥ ነፍሲ ወከፍ እንተይፈተወ ወይ ብግዲ ዘይኮነስ፣ ከምቲ ብልቡ ዘሐሰቦ የሃብ" (2ይ ቆሮ 9፥7)

Links
  • Home
  • Donate
  • ማህሌት
  • ሰኣታት
  • ስርዓተ ቅዳሴ
  • ትምህርተ ሃይማኖት
  • ናይ ሰንበት ተምሃሮ ግልጋሎታት
  • አቡነ አረጋዊ
  • ዉዳሴ ማርያም
  • ደብረ ፀሓይ ኣቡነ ኣረጋዊ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን
Blog Posts
  • Blog Post Title
    March 15, 2021
Copyright © 2022. All rights reserved | Design & developed by Abune Aregawi Development Committee - IT Team