እዛ ቤተክርስትያን ንሕብረተሰብና ሙሉእ ኣገልግሎት ኣብ ምሃብ ትርከብ::ብ ማህሌት፣ ሰኣታት ፣ ቅዳሴ ወገናትና ብቛንቋና ብትግርኛ ሙሉእ ኣገልግሎት ናብ ቤተ እግዚኣብሄር መጺኦም እግዚኣብሄር ከምልኹ ትገብር ኣላ:: ክርስትና ብምልዓል፣ ኣብ ቤተክርስትያን ስነ ስርዓት መርዓኦም ክገብሩ ንዝደልዩ ተመራዓውቲ ኣገልግሎት ምሃብ፣ ብሞት ዝተፈለዩ ኣብ ቤተክርስትያን ናይ ፍትሓትን ሕዙናት ናይ ምፅንዕናዕን ከምኡ ውንሕዙናት ኣብ ቅጽሪ ቤተክርስትያን ተቐሚጦም ናይ ደበስን ምብጻሕን ኣገልግሎት ንክረኽቡ ትገብር።
መሰብሰቢ ኣዳራሽን ካሊኦት ሓገዛትን ብምቕራብ ምስቲ ኣብ ዳላስን ከባቢኣን ዝነብር ማሕበረሰብና ሓቢራ ንህዝብናን ዓድናን ኣብ ዝጠቕሙ ወፍሪታት ትሳተፍ።
ኣብዚ ዓዲ ተወሊዶም ንዝዓብዩ ደቅና ባህሎም፣ ቋንቋኦምን እምነቶምን ብምምሃር ብመንነቶም ዝኾርዑ ዜጋታት አብ ምፍራይ ዓብዪ ስራሕቲ ትሰርሕ ኣላ።
ንመኸተ ኣብ ዝግበሩ ስራሕቲ እታ ቤተክርስቲያን በራ ከፊታ አገልግሎት አብ ምሃብ ትርከብ። ንቲ ትግራዋይ ጠርኒፋ ሒዛ ሃገራዊ መደባት ናብቲ ህዝቢ ብቐሊሉ ንክሓልፍ ጥጡዕ ባይታ ፈጢራ እያ። ተጋሩ ወገናትና ብሄሮም ብዘይምጽብጻብ ኣብ ዝጠዓሞም ኣብ ኣካባቢና ኣብ ዘለዋ ቤተክርስቲያናት ብምኻድ እናምለኹ እኳ እንተነበሩ ብቲ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ኣድልዎን ግፍዕን እናበጽሖም ናብ ቤተክርስቲያና እናመጹ ይርከቡ ኣለዉ:: ቤተክርስቲያንና እውን ብደስታ እንቋዕ ብዳሓን መጻእኹም እናበለት ትቅበሎም አላ!!