ደብረ ፀሓይ ኣቡነ ኣረጋዊ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያንመስቀል ዩ ሓይልና!

እዛ ቤተክርስትያን ኣብ ዳላስን ከባቢኣን ንዘለዉ ሕብረተሰብና ሙሉእ ኣገልግሎት ኣብ ምሃብ ትርከብ:: ብ ማህሌት፣ ሰኣታት ፣ ቅዳሴ፣ ወገናትና ብቛንቋና ብትግርኛ ሙሉእ ኣገልግሎት ናብ ቤተ እግዚኣብሄር መጺኦም እግዚኣብሄር ከምልኹ ትገብር ኣላ::

ተወሳኺ የንብቡ

ABUNA AREGAWI - አቡነ አረጋዊነንባዕልትና እንትንፋቐር እግዚኣብሔር ውን የፍቅረና

Abuna Aregawi (also called Za-Mika’el 'Aragawi) is one of the Nine Saints that traveled in exile from Rome to Axum, Tigray - North part of Ethiopia to escape persecution after the Council of Chalcedon (451). Abuna Aregawi and the other Eight Saints are credited in Ethiopia with enculturating and spreading the Orthodox Faith. The Nine Saints are Abba 'Afse, Abba 'Alef, Abba Garima, Abba Guba, Abba Liqanos, Abba Pantelewon, Abba Sahma, Abba Yam'ata and Abba Za-Mika'el 'Aragawwas.

READ MORE

ክሳብ ሀዚ ጠቕላላ ዘፍረየቶምድያቆናት በዝሒ: ልዕሊ 40; ኣቕሽቲ: 3

እዛ ቤተክርስቲያን ካብ እትምስረት እስካብ ሀዚ ብጠቕላላ: ዝተጠመቑ ህፃናት: 231 ኣብ ቤተክርስትያን ስነ ስርዓት መርዓኦም ዝገበሩ ሰብሓዳር: 4

ተወሳኺ የንብቡ

ደብረ ፀሓይ ኣቡነ ኣረጋዊ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን

እዛ ቤተክርስትያን ንሕብረተሰብና ሙሉእ ኣገልግሎት ኣብ ምሃብ ትርከብ:: ማህሌት፣ ሰኣታት ቅዳሴ ወገናትና ብቛንቋና ብትግርኛ ሙሉእ ኣገልግሎት ናብ ቤተ እግዚኣብሄር መጺኦም እግዚኣብሄር ከምልኹ ትገብር ኣላ:: ክርስትና ብምልዓል፣ ኣብ ቤተክርስትያን ስነ ስርዓት መርዓኦም ክገብሩ ንዝደልዩ ተመራዓውቲ ኣገልግሎት ምሃብ፣ ብሞት ዝተፈለዩ ኣብ ቤተክርስትያን ናይ ፍትሓትን ሕዙናት ናይ ምፅንዕናዕን ከምኡ ውንሕዙናት ኣብ ቅጽሪ ቤተክርስትያን ተቐሚጦም ናይ ደበስን ምብጻሕን ኣገልግሎት ንክረኽቡ ትገብር።

መሰብሰቢ ኣዳራሽን ካሊኦት ሓገዛትን ብምቕራብ ምስቲ ኣብ ዳላስን ከባቢኣን ዝነብር ማሕበረሰብና ሓቢራ ንህዝብናን ዓድናን ኣብ ዝጠቕሙ ወፍሪታት ትሳተፍ።

ኣብዚ ዓዲ ተወሊዶም ንዝዓብዩ ደቅና ባህሎም፣ ቋንቋኦምን እምነቶምን ብምምሃር ብመንነቶም ዝኾርዑ ዜጋታት አብ ምፍራይ ዓብዪ ስራሕቲ ትሰርሕ ኣላ።

ንመኸተ ኣብ ዝግበሩ ስራሕቲ እታ ቤተክርስቲያን በራ ከፊታ አገልግሎት አብ ምሃብ ትርከብ። ንቲ ትግራዋይ ጠርኒፋ ሒዛ ሃገራዊ መደባት ናብቲ ህዝቢ ብቐሊሉ ንክሓልፍ ጥጡዕ ባይታ ፈጢራ እያ። ተጋሩ ወገናትና ብሄሮም ብዘይምጽብጻብ ኣብ ዝጠዓሞም ኣብ ኣካባቢና ኣብ ዘለዋ ቤተክርስቲያናት ብምኻድ እናምለኹ እኳ እንተነበሩ ብቲ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ኣድልዎን ግፍዕን እናበጽሖም ናብ ቤተክርስቲያና እናመጹ ይርከቡ ኣለዉ:: ቤተክርስቲያንና እውን ብደስታ እንቋዕ ብዳሓን መጻእኹም እናበለት ትቅበሎም አላ!!